ኣብ ቡሬ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቡሬ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ፡፡

እቲ ሓደጋ ለይቲ 10 ሰዓት 48 ሰባት ፅዒና ናብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ካብ ደምበጫ ናብ ላሊበላ እናተጉዓዘት ዝነበረት ኮድ 3 ዝኾነት ቅጥቅጥ ኣይሱዚ መመላለሲት ህዝቢ መኪና ኣብ ከተማ ቡሬ ብምግልባጣ ዝበፅሐ ኢዩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ድማ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ልዕሊ 15 ሰባት ድማ ጉድኣት ኣካል በፂኹም።

ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ኣብ ቡሬ ሆስፒታል ኣስራደ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ወረዳ ቡሬ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment