ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ካብ ፍርያት ቡን 2 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ተሃቂኑ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 360 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ብምልኣኽ ክሳብ 2 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተርን ሓላፊ ዘፈር ዕድጊትን እቲ በዓል መዚ ሻፊ ዑመር÷ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 109 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ድማ 615 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበን እቲ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 100 ሚሊየን ዶላር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ጀርመን፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቤልጂየም፣ ኣውስትራሊያን ጃፓንን ፍርያት ቡን ካብ ሞንጎ ዝተለኣኸለን ሃገራት ይርከበኦ።

ኣብቲ በጀት ዓመት 360 ሺሕ ቶን ፍርያት ቡን ብምልኣኽ ክሳብ 2 ቢሊየን ዶላር ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment