ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ካብ ፍሪያት ቡና 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እቶት ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ካብ ፍሪያት ቡና 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እቶት ንምርካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ በዓል መዚ ቡናን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ምስ ፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፥ ቻብቲ በጀት ዓመት 320 ሺሕ ቶን ቡና ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ብምልኣኽ ኢዩ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ዝስራሕ ዘሎ ኢሎም።

ኣብ 2014 ዓ.ም ኣብ መንጎ ኣቕረብቲን ለኣኽቲን ዝተርኣዩ ጉድለታት ክመልእ ዝኽእል ኣሰራርሓ ኣብ 2015 ዓ.ም ተግባራዊ ንምግባር ምድላው ከመዝተገበረ እውን ኣረዲኦም።

ፍሪያት ቡና ክብ ንምባል ልዕሊ 400 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝኣረጉ ኣትክልቲ ቡና ከምብሓዱሽ ከምዝተተኸለ ተዛሪቦም።

ብዙፋን ካሳሁን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment