ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም፥ ብሓፈሻ ባንኪታት ንልቓሕ ካብ ዘቕረብኡ 547 ቢሊየን ብር እቲ 86 ሚኢታዊ ንውልቀ ዓውዲ ዝቐረበ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ካብቲ ዝቐረበ ልቓሕ እቲ 15 ሚኢታዊ ሓርስታይ ብፅሒት ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ቅድመ ሐዚ ልዑል ልቓሕ ዝወስድ መንግስቲ እኳ እንተነበረ እዚ ትርጉም ብዘለዎ መገዲ ምቕናስ ክኢሉ ኣሎ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓዊሱ ዘለዋ ዕዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን 31 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።
ካብዚ ናይ ወፃኢ ዕዳ ናብ 14 ሚኢታዊ ምውራድ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓማውቲ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ንምውራድ ከምዝስራሕ ሓቢረም።
ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ብሓፈሻ 23 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም ተዛሪቦም።