ኣብ በጀት ዓመት 2015 ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዓወት ተመዝጊቡ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”መንግስቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገርና ንምርግጋፅ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመታት ኣሰናዲኡ ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ይርከብ” ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን፡፡

6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ይካየድ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝገበረኦ መደረ÷ ”መንግስቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገርና ንምርግጋፅ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመታት ኣሰናዲኡ ናብ ተግባር ኣትዩ ኢዩ” ኢለን፡፡

ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት እቲ ትልሚ (ካብ 2013 ክሳብ 2015 ዓ.ም) ብኹሉ ዘፈር ኣመልከትቲ ዕቤታት ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሀን፡፡

ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣፈፃፅማ ጥራሕ እንትረአ ብሓፈሻ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፀን፡፡

“ኣብ በፈታኒን ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታትን እናሓለፍና ይኹን እምበር ዝተረኸበ ዓወት ጠንኪርና ምውፃእና ዘርኢ ኢዩ” ኢለን እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መደረአን፡፡

“ተጊህና እንተሰሪሕና ድማ ካብዚ ዝሐሸ ውፅኢት ክነምፅእ ከምንኽእል ተምሂርናሉ ኢና” እውን ኢለን፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment