ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዘፈር ፋይናንስ ውፅታዊ ኣፈፃፅማ ከምዝነበሮ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2014 ዘፈር ፋይናንስ ውፅታዊ ኣፈፃፅማ ከምዝነበሮ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ባንኪ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘፈር ዕቤት ባንኪ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ብምድሃብ ምስ ተወከልቲ ባንኪታት ይዛተ ኣሎ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ውሽጣዊን ደጋዊን ፈተናታት ዘተኣናገደትሉን ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ኣብ ፅዕንቶ ዝነበረትሉን ዓመት ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ብተፃራሪ ኢኮኖሚ ሃገርና ብፅቡቕ ብርኪ እናኸደ ይርከብ” ኢሎም።

ኲናት ሩሲያ – ዩክሬን ናይ ብዙሓት ሃገራት ዕቤት ብልዑል ብርኪ ዝወሰኖ ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ግን ዕቤት ከምዝተርኣየ ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ብፍላይ ዘፈር ፋይናንስ ልዑል ዕቤት ከምዘርኣየ ዝሓበሩ እቶም ገዛኢ ባንኪ÷ ብልቓሕ፣ ተቐማጢ ገንዘብን ኣመላልሰሳ ልቓሕን ዝበሉ ዓውዲታት ልዑል ዕቤት ከምዘርኣየ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብዲጂታል ባንኪንግ ልዑል ዝውውር ከምዝተርኣየን ልዕሊ 43 ሚሊየን ባንኪ ኣካውንት ከምዝተኸፈተ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment