ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም 320 ሚሊየን ኩንታል ሲሚንቶ ናብ ሃገር ውሽጢ ከምዘኣቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅት ሲሚንቶ ንምንካይ ብዝብል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝምረት ብተወሳኺ 320 ሚሊየን ኩንታል ሲሚንቶ ናብ ሃገር ውሽጢ ከምዘኣቱ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ እታወት ስራሕቲ ኮንተራክሽን ዝኾነ ፍርያት ሲሚንቶ፥ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ምርኣዩ ይፍለጥ ኢዩ።

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ብዙሓት ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ይኹን እመበር እቲ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይምፍትሑ ዘላቒ መፍትሒ ንመሃብ ዘኽእል መምርሒ ከምዝተዳለወ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ወንድሙ ፍላቴ ተዛሪቦም።

እቲ መምርሒ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ብሙሉእ ዓቕሞም ንኸፍርዩን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ክሳብ ችርቻሮ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ብምትእስሳር፣ ቁፅፅር ቀረብን ዝርገሐን እናተገበረሉ ኣብ ረብሓ ሕብረተሰብ ንኽውዕል ብምግባር ናህሪ ዋጋ ከይፍጠርን ዝተረጋግዐ ስርዓት ዕድጊት ሲሚንቶ ክህሉ ንምግባር ዓሊሙ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ድማ ካብ 25 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ተግባዊ ከምዝኾ እውን ኣይተ ወንድሙ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እቲ መምርሒ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝምረት ብተወሳኺ መመዘኒ ብዘማልኡ ኣምፃእቲ ኣቢሉ 320 ሚሊየን ኩንታል ሲሚኒቶ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

እም ሲሚንቶ ዘምፅኡ ኣምፃእቲ ፍቓድ መምፅኢ ኣቑሑት ኮንስተራክሽን፣ ሓፂነ መፂን፣ ሓፂነ መፂን ዘይኮነን እስክራፕልን ከውፅኡ ከምዝግበኦምን ዘምፅኡዎ ሲሚንቶ 42 ነጥቢ 5 PPCን OPCን ክኸውን ከምዝግባእን ተገሊፁ።

እቲ ዝመፅእ ሲሚኒቶ ብሳልሳይ ወገን ዝተረጋገፀ ደረጃ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ ሓደ ኣምፃኢ ካብ 3 ሺሕ ቶን ዘይንእስ ሲሚኒስቶ ከምፅእ ከምዘለዎ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment