ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ኣገልግሎት ወለንታ “ወለንታ ንምትሕግጋዝን ምርድዳእን” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ወለንታውያን መናእሰይን ተረኺቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብሞየኦም ኣገልግሎት ወለንታ እናሃቡ ዝፀንሑ ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ስነ-ህንፃን ምህንድስናን፣ መምህራንን መተሓባበርቲ ድሕንነት ትራፊክን ተሳቲፎም፡፡
ናይዚ ዓመት ከተማ ዝሓቁፍ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ መንበሪ ገዛ 43 ዘኽታማት ብምሕዳስ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ 100 ህፃናት ብሓብሐብቲ ንምውሳድ ከምዝተሃቀነ ተሓቢሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዙሕ ምትእስሳር ስድራቤታት ብምግባር ዘላቒ ዘለዎ ሓገዝ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ወለንታዊ ስራሕቲ እዚ ክረምቲ 2 ሚሊየን ወለንታውያን ብምስታፍ 1 ሚሊየን ዝግመት ሃፍቲ ንምትእኽኻብ ከምዝሳራሕ ተገሓቢሩ፡፡
ብሃይማኖት እያሱ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።