ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም 787 መጥቃዕቲ በይነ መረብ ፈሺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተፈነዉ 787 ዝኾኑ ፈተነታት መጥቃዕቲ በይነ መረብ ከምዘፈሸለ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ከፍያለው ተፈራ ከምዝበሉዎ፥ ካብ ዝተፈነዉ 1 ሺሕን 78 መጥቃዕቲታት በይነ መረብ እቶም 787 ከምዝፈሸሉን 124 ዝኾኑ ድማ ኣብ ከይዲ ምሃብ ምላሽ ከምዝርከቡን ገሊፆም።

ካልኦት 167 ዝኾኑ መጥቃዕቲታት ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምላሽ ዘይተውሃቦም ኢዮም።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት 474 ብኣጥፋእቲ ማልዌር ሶፍትዌራት ዝተፈፀሙ እንትኾኑ፥ 288 መጥቃዕቲ ድረ-ገፅ፣ 104 ዑደት መሰረተ ልምዓታት፣ 188 ናብ ዘይተደለየ ሲስተም ጥሒሶም ብምእታው፣ 22 ምቁራፅ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት፣ ከምኡ እውን ክልተ መጥቃዕቲ ኣብ ምጭብርባር በይነ መረብ ዝተፈነዉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት እታ ሃገር ዒላማ ገይሮም ዝተፈፀሙ ከምዝርከቡዎም እውን ገሊፆም።

እቲ ፍፃመ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት እንትነፃፀር ቁፅሩ እናወሰኸ ከምዘመፅአ ዝገለፁ እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር፥ ኮይኑ ግና ብድሉውነት ሓደጋ መጥቃዕቲ በይነ መረብን ዲቪዥን ምላሽ ምሃብን እቲ ኤጀንሲ ዝኸፈአ ጉድኣት እንተየብፅሑ ክፍሽሉ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።

ትካላት ብስፍሓት ናብ ዲጂታል ዓለም ምእታው፣ ብዛዕባ ድሕንነት በይነ መረብ ዘሎ ግንዛበ ትሑት ምዃን፣ ውልቀ ሰባት መሰረታዊ ዝበሃሉ ቴክኖሎጂታት ድሕንነት በይነ መረብ ዘይምትግባርም፣ ሕጋዊ ዘይኮኑ ሶፍትዌራት ምጥቃምን ስርዓት ኮምፒተሮም ብድሕንነት በይነ መረብ ክፍተሸ ዘይምግባርን ንምውሳኽ እቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

90 ሚኢታዊ ዝኸውን መጥቃዕቲ ብሕፅረት ግንዛበ ሰባት ዝፍፀም ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ከፍያለው፥ እቲ ኤጀንሲ ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ከይፍፀሙ ብዝብል ንዝተፈላለዩ ትካላት ስልጠናታት ድሕንነት በይነ መረብ ከምዝሃበ ምግላፆም ካብ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment