ኣብ በዓል ልደት ሕፅረት ፍርያት ከየጋጥም ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝቕፅል በዓል ልደት ምኸርንያት ብምግባር ሕፅረት ቀረብ ፍርያት ከየጋጥም ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀረብ ፍርያት ኣድሂቡ ምስ ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ፌዴራል፣ ኮርፖሬሽን ሽኮርን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ንግዲን መግለፂ ሂቡ፡፡

እቲ በዓል ምኽንያ ብምግባር ንጠለብ ዝውዕሉ ፍርያታት ድሌተቶም ስለዝውስኽ÷ ክፍተት ቀረብ ከይፍጠርን ሕብረተሰብ ንዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ከይቃላዕን፤ እቲ ሚኒስቴር መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚት ስራሕ ንግዲ ውሽጢ ሃገርን መራሒ ሓላዋ ሸመትቲን መስከረም ባህሩ÷ ሕፅረት ቀረብ ፍርያታት ሕርሻ፣ ውፀኢታት እንስሳን ፍርያታት ኣትክልቲን ፍረምረን ከይህሉን ሕብረተሰብ ንዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ከይቃላዕን ብምውዳድ ናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ብክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኣይተ ኣብዲ ብግደኦም÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 137 ሸመትቲ ማሕበራት በዓል ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ፍርያታት ብምቕራብ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ምክያዶም ገሊፆም፡፡

ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበተን ፍርያታት እናቐረቡ ስለዝኾኑ÷ ሕብረተሰብ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝደልዮ ፍርያት ንኽዕድግ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ሚኒሰቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment