ኣብ ቅነ በዓል ሕብረተሰብ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ካብ ዝግበር ምድንጋር ንገዛእ ርእሱ ንክሕሉ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቅነ በዓል ሕብረተሰብ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ካብ ዝግበር ምድንጋር ንገዛእ ርእሱ ንክሕሉ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ፌዴራል ፖሊስ ናይ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን መምርሒ ሓላፊ ጀይላን ኣብዲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተወዳደረሉን ዘይተሳተፈሉን “ሽልማት በፂሑኳ፣ ሽልማትካ ንምውሳድ ገንዘብ ክፈል” ካብ ዝብሉ ኣደናገርቲ ክጥንቀቕ ኣለዎ ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ተግባራት አንተጋጥምዎ ንመራኸብቲ ሓፋሽን ፖሊስን ሓበሬታ ንክህብ ምዒዶም።

ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝፍፅሙ ኣካላት ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሕብረተሰብ ሓበራታ ብምሃብ ንክተሓባበር ፀዊዖም።

ከምዚ ዓይነት ተግባር እንተጋጥም ብ01155386040 ከምኡውን ናፃ መስመር ስልኪ 987ን 816 ብምጥቃም ንፖሊስ ፌዴራል ሓበሬታ ንክህብን ብ991 ንኣዲስ ኣበባ ፖሊስ ከፍልጥን ፀዊዖም።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment