ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ንኽኸውን ጉዳያት መረፃ ዝከታተሉ መጋባእያታት ምድላዉ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ግደ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ንኽኸውን ጉዳያት መረፃ ዝከታተሉ መጋባእያታት ምድላዉ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ግደ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ጉዳያት መረፃ ምስ ዝከታተሉ መጋባእያታት ትፅቢት ዝግበረሎም ግደን ሓላፍነትን ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ፡፡

እቲ ዘተ ላዕለዋይ ፍርዲ ፌዴራልን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ብሓባር ዘዳለዉዎ መድረኽ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ምዝገባ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ስነ-ምግባር መረፃ ኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 ዝምልከት መብርሂ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

ጉዳያት መረፃ ዝምልከቱ መጋባእያታት ተጣይሾም ብኸምዚ መልክዑ ሓበራዊ ዘተን ስራሕቲን ምጅማሮም ንዕዉትነት መረፃ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝህልዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ኣካቢ እቲ ቦርድ መረፃ ኣይተ ውብሸት ኣየለ፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ሰሎሞን ኣረጋይን ሓዊሱ ፕሬዚዳንታት ቤት ፍርዲን ምክትላትን ክልላት ከምኡ እውን ዳያኑ ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment