ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት ተወዳዳሪን ዝሓሸ ኣገልግሎትን ንዓማዊሉ ከምዘቕርብ ኢትዮ ቴሌኮም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት ተወዳዳሪን ዝሓሸ ኣገልግሎትን ንዓማዊሉ ንምቕራብ ምድላው ምግባሩ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 2014 ትልሙ፥ ንዓማዊሉ ንምቕራብ ኣብ ዝሃቀኖም ሓደሽቲን ዝተመሓየሹን ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ዝምልከት መግለፂ ሂቡ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ ንዝቕፅሉ ዓመታት ብዛዕባ ትልሚ እቲ ትካል ንሚዲያታት ገለፃ ዝገበራ እንትኾና፥ ”ድልድይ” ዝተብሃለ ናይ ሰለስተ ዓመት ትልሚ ብምውፃእ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ ኢለን።

ኣብቲ ትልሚ ዕግበት ሰራሕተኛታትን ዓማዊልን መሰረት ብምግባር ዝሓሸ ኣገልግሎት ብመሃብ እቲ ትካላ ኣትራፊ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን፡፡

እዋኑ ተሓሳቢ ብምግባር ተለዋወጥቲ ትልሚታት ከምዝተተለሙ ዝገለፃ ወይዘሪት ፍሬህይወት፥ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብ ዝቕፅል ዓመት ናብ ዕዳጋ ክፅምበር ኢዩ ምስ ዝተብሃለ ብኽፋል ናይ ውልቀ ኦፕሬተር ተወዳዳሪ ምዃን፣ ምትሕብባር ልምዓት መሰረተ ልምዓትን እዋናዊ ፀገም ሰሜን ኢትዮጵያን ተሓሳቢ ዝገበረ ከምዝኾነ እው ኣብሪሀን።

ኢትዮ ቴሌኮም ትካል ልምዓት ስለዝኾነ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንመሃብ ተዳሊና ኢና ኢለን፡፡

እተን ፈፃሚት ስራሕ፥ ኣገልግሎቱ ዲጂታል ብምግባር ዓማዊል ብቐሊሉ ኣገልግሎት ንኽኽቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርብን ገሊፀን፡፡

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment