ኣብ ቀፀልቲ 5 ዓማውቲ ድልየት ፍሪያት ሽኮር ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀፀልቲ 5 ዓማውቲ ድልየት ፍሪያት ሽኮር ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ሙሉእ ብሙሉእ ንምትካእ ይስራሕ ከምዘሎ ግሩብ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ክፍሊ ተሳትፎን ረታ ደመቀ፥ ቀረብ ሽኮር ውሽጢ ዓዲ ምስ ጠለብ ህዝቢ ክመጣጠን ኣይከኣለን ኢሎም።

ነዚ ስዒቡ ቀረበን ጠለበን ሽኮር ንምጥዕዓም ዓሊሙ መጋቢት 2014 ዓ.ም እቲ ግሩፕ መጥያሹ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ንምቕናስ ፍሪያታት ቃንጫ ሽኮርን ምንሃር ወፃኢ መፍረይን ምኽኒያት ዝኾኑ ፀገማት ብምልላይ ኣብ መፍትሒ ጠሚቱ ይሰርሕ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀፀልቲ 5 ዓማውቲ ድልየት ፍሪያት ሽኮር ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብቶም ዓማውቲ ፍሪያት ሽኮር ሐዚ ካብ ዘለዎ 3 ሚሊየንን 640 ሺሕን ኩንታል ናብ 13 ሚሊየን ኩንታል ከብ ንምባል ተልሚ ከምዝተትሓዘ ድማ ተዛሪቦም ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment