ኣብ ቀዳማ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 93 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 93 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ትልሚ፣ ክትትልን ግምገማን እቲ ሚኒስቴር ተመስገን ተሰማ÷ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ካብ ቀረፅ ንግዲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ልዕሊ 93 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ልዕሊ 23 ቢሊየን ብር ሓለፋ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

እቲ ሚኒስቴር ብዝዘርገሖ ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገበሩ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት፤ ከፈልቲ ግብሪ ብቐሊሉ ግብሪ ክኸፍሉ ምኽርኣሎም÷ እቲ ኣታዊ ክውስኽ ኣስተዋፅኦ ካበ ዝገበሩ ምኽንያትት ተፀራሒ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment