ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ 75 ሺሕ ነበር ዕጡቓት መሊስካ ንምጥያሽ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዓብዪ ዝላ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ክልል ነበር ዕጡቓት ዕላዊ መርሃ ግብሪ ስልጠና ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣካቢ ቦርድ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶን ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌተናል ጄነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ተረኺቦም።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን እናሰርሑዎ ዝርከቡ ስራሕቲ ሚስካ ምጥያሽ ዕጠቂ ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ሰላምን ድሕንነትን ክልል ትግራይ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ዝውገን ኢዩ።
ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ብስልጠና ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን እናተሰርሐ ዝርከብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብምውዳድ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ እወንታዊ ውፅኢታት እናምፅኡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ጉዳይ ዝተረፈ ስራሕ ከምዝሓትት ምግላፆም ገዜኢ ፀብፂቡ።