ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ምንቅስቓስ ንግዲ 42 ሚኢታዊ ነክዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓመፅቲ ሁቲ ብዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ምንቅስቓስ ንግዲ 42 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣፍሊጡ።

ምንካይ እቲ ምንቅስቓስ ንግዲ ብምኽንያት ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ምንስቓሳት ንግዲ ፀሊም ባሕሪን መትረብ ፓናማን ብዝበለፀ ኣብ ፅዕንጦ እናእተዎም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ኮንፈረንስ ንግዲን ልምዓትን ውሕመ ጃን ሆፍማን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ጂኦ ፖለቲካን ምንቅስቓስ ንግዲን ዓለም ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ይርከብ፡፡

ቀይሕ ባሕሪ 80 ሚኢታዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም ከምዝሽፈን ብምግላፅ÷ ኣብ ዝሓፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዓመፅቲ ሁቲ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ሓደጋ ምፍንጃር መርከብ ክበፅሕ ኢዩ ብዝብል ስግኣት ምንቅስቓስ መርከበኛታት ከምዝተገትአ ኣብሪሆም፡፡

ብምኽንያት ቅልውላው ቀይሕ ባሕሪ ድማ ካብ ኣውሮፓ፣ ሩሲያን ዩክሬንን ዝለኣኹ ሸቐጣሸቐጣት ምዝውዋር ከምዘይተኸኣለ ተገሊፁ፡፡

በዚ ድማ ከም ምብራቅ ኣፍሪካ፣ ደቡብ እስያ፣ ደቡብ ምብራቕ እስያን ምብራቕ እስያን ዝበሉዞባታት ስግኣት ውሕስና ምግቢ ከስዕብ ከምዝኽእል ምግላፁ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment