ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዕርቂን ሰላምን ክወርድ ምግባር ንውህደት እቲ ዞባ መሰረት ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዕርቂን ሰላምን ክወርድ ምግባር ንውህደት እቲ ዞባ መሰረት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ጉዳይ ርክብ ሶማሊያን ሶማሌ ላንድን ኣድሂቡ ኣብ ጂቡቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ተኻፊሎም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዕርቂን ሰላምን ክወርድ ምግባር ንውህደት እቲ ዞባ መሰረት ከምዝኾነ፥ እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣብቲ እዋን ዘተ ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

“ብቐዳምነት ኣብ ሰላምን ምትሕብባርን እንተተሰሪሑ፥ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ልምዓት እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ዘኽእል ሙሉእ ሃፈተ-ገነት ኣለ” ኢሎም።

ኣብ ርክብ ሶማሊያን ሶማሌላንድን ኣድሂቡ ኣብ ጂቡቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ብኣሳናዳእነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገበረ ዘተ ቀፃሊ ክፋል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌ፣ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሞሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ፕሬዚዳንት ሶማሌላንድ ሙሳ ቢሂ አብዲን ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ተረኺቦም ኢዮም።

ዶክተር ኣቢይን እቶም ካልኦት ምራሕቲን ድሕሪ እቲ ዘተ ስነ-ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment