ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ መዓልቲ ኣፍሪካ እዚ ዓመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይንና ራኢ ኣህጉራዊ ሓድነት ንምዕዋት ቆራፅነትና ነረጋግፅ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር መዓልቲ ኣፍሪካ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ድማ “ኣቦሓጎታትና ሰላማዊት፣ ዝተኣሳሰረትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ዝነበሮም ራኢ ንምዕዋት ቆራፃት ኢና” ኢሎም።
መዓልቲ ኣፍሪካ በቢዓመቱ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 25 ግንቦት ይኽበር።
እቲ መዓልቲ ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪካ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ኮይኑ ዝተመስረተሉ መዓልቲ መሰረት ብምግባር ኢዩ ምኽባር ጀሚሩ።