ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝተፈጠረ ድርቂ ዘድሊ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእል 327 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ ውሕመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝተፈጠረ ድርቂ ዘድሊ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእል 327 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ገሊፁ።

እቲ ድርቂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኬንያ፣ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣስታት 13 ሚሊየን ሰባት ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ እቲ ድርቂ ልዑል ሞት እንስሳት ከምዘጋጠመ ብምግላፅ፥ ናብረኦም ኣብ ግብርና ዝተደረኸ ክፋላት ሕብረተሰብ ካበ መረበቶም ንክስደዱ ምኽኒያት ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ዝተፈጠረ ድርቂ ንምቕራፍ ዘድሊ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ ዘኽእል 327 ሚሊየን ዶላር ከምዘድሊ ምግላፁ ቲኣርቲ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment