ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ኣብ ዝተመደብሉ ሃገር ኣማራፅታት ኢንቨስትመነት ኢትዮጵያ ከፋልጡ ኣለዎም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ኣብ ዝተመደብሉ ሃገር ኣማራፅታት ኢንቨስትመነት ኢትዮጵያ ከፋልጡ ኣለዎም ተባሂሉ።

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብ ቦሌ ለሚ፣ ቂሊንጦን  ኣዳማ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ኣጎብኒዩዎም።

እቲ ዑደት፥ እቶም  ኣምባሳደራት ኣብ ዝተመደብሉ ሃገር ኣማራፅታት ኢንቨስትመነት ኢትዮጵያ ንከፋልጡን ናብ ኢትዮጵያ ንክስሕቡን ዝዓለመ ከምዝኾነ  ተገሊፁ።

እቲ ኮርፖሬሽን፥ እቶም ኣምባሳደራት ኣብቶም ፓርክታት ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመነት ንዓለም ንከፋልጡ ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ።

ኣብቶም ፓርኪታት ዘለዉ መንቅስቓሳት ስራሕ፣ ኣማራፅታት ኢንቨስትመነትን ቀፀልቲ ስራሕቲን ብዝምልከት ዝርዘር መብርሂ ከምዝተገበረ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment