ኣብ ቀሊል ልምምድ ኣውሮፕላን ብዘጋጠመ ፀገም ቴክኒክ እቲ ኣውሮፕላን ኣብ ከባቢ ነጌሌ ንምዕራፍ ከምዝተገደደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ቅርንጫፍ ሃዋሳ ኣብ ልምምድ ስሩዕ ስልጠና ዝነበረ ናይ ተምሃሮ ቀሊል ልምምድ ኣውሮፕላን ብዘጋጠመ ፀገም ቴክኒክ እቲ ኣውሮፕላን ኣብ ከባቢ ነጌሌ ንምዕራፍ ከምዝተገደደ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዘጋጠመ ፀገም ስዒቡ እቲ ኣውሮፕላን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጉድኣት ብዘየብፅሕ ኩነታት ንምዕራፍ ልዑል ፃዕሪ እንተገበረ እውን ኣብ ዝዓርፈሉ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሰገን ጉድኣት ብምብፅሑ እታ ሰገን ህይወታ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ይፃረ ከምዘሎ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment