ኣብ ሸቀጣት ወሰኽ ዋጋ ንዝገበሩ ነጋዶ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሸቀጣት ወሰኽ ዋጋ ንዝገበሩ ነጋዶ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ክሳብ ሕዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕን ሓደ ሚእትን ትካላት ንግዲ ከምዝተዓሸጉ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረመድህን ተወልደ ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ ሕብረተሰብ ጥቆማ ኣብ ምሃብ ዝነበሮ ተሳትፎ ንኢዶም።

52 ዝኣክሉ ነጋዶ ክሲ ከምዝተመስረተሎም ዝገለፁ ኣይተ ገብረመድህን፥ እቶም 25 ናብ ሕጊ ቀሪቦም ፍርዲ ዝረኸቡ ምኻኖም ገሊፆም።

ኣብ ገለ ነጋዶ ድማ በቲ ዝነበሮ ዋጋ ንክሸጡ መኣረምታ ተዋሂቡ።

ሕብረተስብ እንትዕድግን እንትሸይጥን ማሕበራዊ ርሕቀቱ ብምሕላዉ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ከምዝግባእ እቶም ምክትል ሓላፊ ኣተሓሳሲቦም።

ብሳራ ኣብረሃለይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment