ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሶማሊያ ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ምውፋር ሓይሊ ልኡኽ ስግግር ምኽባር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣትሚስ) ድሕንነት እቲ ዞባ ብዘረጋግፅ መልክዑ ክኸውን ከመምዝግበኦ ሙሁራን ዓለም ርክብ ኣገንዚቦም።
እቲ ምውፋር ብጥንቃቐ እንድሕርዘይተመሪሑ ኣብ ድሕንነት ምብራቕ ኣፍሪካ ስግኣት ከስዕብ ከምዝኽእል እቶም ምሁራን ኣጠንቂቖም።
እቶም ሙሁራን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መጀመርታ 2025 ዝግበር ምውፋር ሓይሊ ናብ ተግባር ቅድሚ ምእታዉ እዋናዊ ኩነታት እቲ ዞባ ብዘገናዘበ መልክዑ ክውደብ ከምዝግበኦ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ መምህርን ተመራማሪን ታሪኽን ዓለም ለኸ ጉዳያትን ዓብዱ መሓመድ ዓሊ (ዶ/ር)÷ ኣብ ኣወዳድባ ብሄራዊ ጦር ሶማሊያ ግዝኣታት ሕቶ ዘልዕላሉ ከምዝኾነን ብግቡእ ዘይተዋደደን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ግብረ ራዕዲ ኣል-ሻባብ ካብታ ሃገር ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ቅልውላው ከይፈጥር ንምክልኻል ኣትሚስ ናይ ምክልኻል ስርሑ ብብቕዓት እናተዋፀአ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።
ኣትሚስ ግቡኡ ዛዚሙ እንትወፅእ ኣብ ቀፃ ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ከረጋግፅ ብዝኽእል መልክዑ ክውግን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ይኹን እምበር መንግስቲ ፌዴራል ሶማሊያ ምውፋር ድሕረ ኣትሚስ ብዝምልከት ዝሓዞ ቅዋም እቲ ዞባ ካብ ዝነበሮ ምርግጋእ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ዘእቱ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ፅዕንቶ ከሕድሩ ከምዝግበኦም ኣመልኪቶም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል መፅናዕቲን ምርምርን ኣፍሪካ መምህርን ተማራማሪን ታሪኽ ደቻሳ ኣበበ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ “ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዋጋ ዝኸፈለ ሓይሊ የለን” ኢሎም፡፡
ይኹን እምበር መንግስቲ ሞቃዲሾ ነዚ ንደሓር ብምባል ሰላም እቲ ዞባ ምስ ዘይደልዩ ሓይሊታት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ዝቕፅል ምውፋር ሓይሊ ኣትሚስ ብጥንቃቐ ዘይስራሕ እንተኾይኑ ከም ኣል-ሻባብን ኣልቃኢዳን ዝበሉ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ከባቢ ከምቃሕተኦም ንኽንቀሳቐሱ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵያ ዝግበር ምውፋር ሓይሊ ኣብቲ ዞባ ሓዱሽ ወጥሪ ብምፍጣር ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ሓደጋ ክፈጥር ብዘይኽእል መልክዑ ብጥንቃቀ ክውደብ ከምዝግባእ እምነታ ምግላፃ ይዝከር።
ብሚኪያስ ኣየለ