ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ጂዳ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

እቲ ዑደት፥ ጉዳይ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብቐረባ ንምርኣይን ፀገማት እቶም ማሕበረሰባት ትኹረት ሂቡ ብምዕዛብ ዘለዉ ፀገማት ብዝተዋደደ መልክዑ ምላሽ ንመሃብ ዝተገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ድማ ተሳትፎ ልምዓትን ፍሰት ሃፍቲን ዳያስፖራ ንምዕባይ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ወፃኢ ዝነብር ማሕበረሰብ ተወካሊ ንኽህልዎ ብመልክዕ ፖሊሲ ማዕቐፍ ሕጊን ምድላው ትካላዊ ትሕዝቶን ተገይሩ እቲ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተገሊፁ።

ኣብ ጂዳን ከባቢኣን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፥ ተሳትፎ ልምዓቱ ንምዕባይ፣ ንምጥንኻር መፅናዕቲ ሓበሬታን ኮሙዩኒኬሽንን ኢሉ እውን መሰልን ረብሓን ንምሕላውን ከለላ ሕጊ ንምጥንኻርን ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብዝምልከት ኣብ ጂዳ ምስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ፌዴሪኢ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝነብሩ ተወከልቲ ማሕበረሰብን ዘተ ከምዝተገበረ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት እውን ኣብ ሪያድን ጂዳን ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ተወከልቲ መንግስቲ ስዑድ ዓረብን ኣብቲ ዛዕባ ሓሳብ ከምዝለዋወጡ ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment