ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነት ንምሕላውን መሰሎም ተሓሊዩ ንኽነብሩ ዘኽእሉ ስራሕቲ ይሳለጡ ኣለዉ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነት ንምሕላውን መሰሎም ተሓሊዩ ንኽነብሩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

የኢፌዲሪ የውጭ ጉዳይ ሚኒስቴር ቃል አቀባይ አምባሳደር ዲና ሙፍቲ መግለጫ ሰጥተዋል።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ድሕንነት ንምሕላው ምስ ንጉስ ስዑድ ዓረብን ዝምልከቶም ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እታ ሀገርን ብምልዛብ መሰሎም ተሓሊዩ ንኽነብሩ ዘኽእሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢዮም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን መሰል ንምሕላው ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እተን ሃገራትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተኸታታሊ ልዝባት ከምዝተገበሩ እውን ገሊፆም።

ኣብ ፀገም ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝደሊዩን ወገናት ድማ ኣድላዪ ሰነድ ጉዕዞ እናተዳለወ ከምዝርከብ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ኣብ ልዑል ፀገም ዝነበሩ 429 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምግባሩ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 165 ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝተገበረ ሓገዝ ሙሉእ ወፃኢኦም ተሸፊኑ ክምለሱ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ክልተኣዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰን ዝተመልከተ መግለፂ እውን ሂቦም ኢዮም።

ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ምስታፎም ከምኡ እውን ምስ ሚኒስትር ፕሬዚዳንታዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ንሂያል ደንግንሂያል ከምዝተዛተዩ ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶና ንሃገራዊ ዕቤት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኩሎም ሓለፍቲ ስራሕን መራሕቲ ሚሲዮናትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዓመታዊ ኣኼባ ኣምባሳዳራት እናተሳለጠ ከምዝርከብ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment