ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ኣሕመድ ቀጣን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ከምኡ እውን ኣብ ዜጋታት ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ተመለስቲ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ብቕልጡፍ ንምምላስ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!