ኣብ ስዑዲ ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑዲ ዝነበሩ ዜጋታት ብሽዱሽተ በረራታት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝተጀመረ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ መፅንሒ መዓስከር ስዑዲ ዝነበሩ ኣስታት 40 ሺሕ ዜጋታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ በቢዕለቱ ክምለስ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ብሽዱሽተ በረራታት ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ከምዝተጀመረ ኢዩ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምምላስ፥ ህፃናት፣ ደቂ ኣኒስቲዮን ሕሙማትን ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ተሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ቀይሕ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ዶብ ስዑዲ እንትኣትዉ ብኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ስዑዲ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ፍቓድ ሕጊታት መንበሪ ብምጥሓሶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ መፅንሒ መዓስከር ኣብ እሱር ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ምስ ኮሮና ብዝተተሓሓዘ ቤተሰቦምን ማሕበረሰብን ልዑል ፅዕንቶ ስነ ልቦና ከምዝነበሮም ይፍለጥ።

ስለዝኾነ እቶም ዜጋታት ብሙሉኦም ናብ ሃገሮም ክምዝምለሱ ብመሰረት መንገስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ምስ መንገስቲ ስዑዲ ብምዝርራብ ብዝሓት ዘለዎም በረራታት ብምክያድ ኣብ መፅንሒ መዓስከር ስዑዲ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ በቢዕለቱ ክምለሲ ኢዮም ክብል ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment