ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ ዩኒቨርሲቲታት ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ ዩኒቨርሲቲታት ዘድሃበ ዘተ ከምዝተሳለጠ ሚኒስቴር ሰይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ፥ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂን ፕሮግራምን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብ1986 ዓ.ም ዝተዳለወ ፖሊሲ ስልጠናን ትምህርቲን ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፖሊሲ ዘዐወቶም ጉዳያት ከምዘለዉ ኮይኖም ብኸመይ ኩለመዳይ ምዕባለ እዛ ሃገር ክነዕውት ንኽእል ንዝብል ብዙሓት መፅናዕቲታት ከምዝተገበሩ ገሊጾም፡፡

እቲ መፅናዕቲ ስዒቡ ድማ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ሪፎርም፥ ኣብ ዘፈራት ሕርሻ፣ መፍረዪ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂን ቱሪዝምን ማእኸል ዝገበሩ ብቑዓት ሙሩቓት ብምፍራይ፤ ፀገም ፈታሕቲ መፅናዕቲታትን ምርምራትን ብምግባር ስብራት ኢኮኖሚን ምንኣስ ፍርያታውነትን ዝንኪ ሜላ ዘካተተ ስትራቴጂክ ትልሚ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን፥ 21 ቁለልፊ ጉዳያት ዝሓዘ ሰነድን ሽዱሽተ ፕሮግራማትን መበገሲ ሰነዳት ከምዝተሓንፀፁ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣመራርሓታት ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዩኒበርሲቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment