ኣብ ስምምዕነት ሰላም ዘተኮረ ኣብ ኢንስቲትዩት ሃድሰን ንዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስምምዕነት ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ትኹረት ብምግባር ኣብ ኢንስቲትዩት ሃድሰን ንዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ከምዝተውሃበ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ዘተኮረ ንዝምልከቶም ዕዱማት ኣጋይሽ ውፅታዊ ልዝብ ከምዝተገበረተዛሪቦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ብዛዕባ እቲ ስምምዕነት ሰላም፣ ዳግመ ህንፀትን እግሪ ምትካልን ኣድላዪ መብርሂ ከምዝተውሃበ ሓቢሮም፡፡

ተቀማጥነቱ ዋሽንግተን ዲሲ ዝገረ ኢንስቲትዩት ሃድሰን ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ምሁራንን ውሳነ ዝህቡ ፖለቲከኛታትን ብምርኻብ ዘዛቲ ትካል ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment