ኣብ ሲያትል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ፣ ሲያትል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስም ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ብክፍሊት ዝሰርሑሉ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ንዝሰርሑ  ተረፍ መረፍ ጁንታ ዘውግዝ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣባላት ጉጅለ ጁንታ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓማውቲ መዓልታት ካብ ህዝቢ ኢትየጵያ ብዝወረርዎ ገንዘብ ደላላታት በምቑፃር፣ ደገፍቲን ተሓባበርቲን ብምትሕብባር ስም ኢትዮጵያ ንምጥፋእን ፅዕንቶ ዲፕሊማሲ ንምፍጣርን ይሰርሑ ከምዘለዉ እቶም ሰልፈኛታት ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ክልቲኦም ኣብያተ ምኽሪ ኣሜሪካ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝግባእ ንክሪእዎ እቶም ሰልፈኛታት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሰልፈኛታት ጉጅለ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዘብፅሖ መጥቃዕቲ እወን ኣውጊዞም።

በዓል 12 ገፅ መግለፂ ቅዋም ንዝምልከቶም ኣካላት ምሃቦም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment