ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

ንሃገሮም ልኣላውነትን ሓድነትን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

እቲ ሰልፊ፥ ”ንሃገርና  ልኣላውነትን ሓድነትን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክንብል ኢና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝነበሮ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ብሓደ ሓደ ተረፍ መረፍ ደገፍቲ ህወሓት ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝዝርግሕዎ ዘለው ናይ ሕሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ከምኡ እውን ብገለ ትካላትን ሃገራትን ዝፍተን ዘሎ ፅዕንቶ ኮኒኖም።

ኣብቲ ሰልፊ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ደቂ ኣኒስቲዮን መናእሰይን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment