ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ።

በሱዳን የኢፌዲሪ ባለሙሉ ስልጣን አምባሳደር ይበልጣል አዕምሮ በሱዳን የገዳሪፍ ግዛት የስደተኞች ጉዳይ ቢሮ ሀላፊ አልሀፊዝ መሃመድ እንዲሁም በገዳሪፍ የተባበሩት መንግስታት የስደተኞች ጉዳይ ከፍተኛ ኮሚሽን ተወካይ አንድሪው ኤምቢጎሪ ጋር በሱዳን የሚገኙ ስደተኞችን ወደ ሀገራቸው በሚመለሱበት ሁኔታ ውይይት አድርገዋል

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ፥ ምስ ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ግዝኣት ገዳሪፍ ኣልሃፊዝ መሓመድን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተወካሊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳያት ስደተኛታት ኣንድሪው ኤምቢጎሪን ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታት ዝምልከት ተዛቲዮም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከልል ትግራይ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስለዝተዛዘመ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብሩ ከምኡ እውን ክልቲኦም ኣካላት ክምለሱ ዝደልዩ ስደተኛታት ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ብምፍላይ ናብ ተግባር ንኸኣትዉ ሓቲቶምዎም።

እቶም ተወከልቲ ብግደኦም፥ ስደተኛታት ብምዝርራብ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ካብ ኤምባሲ ኡትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment