ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቁፍን መካተቲን ዘተ የድሊ – ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሱዳናውያን ብበዓልዋናነት ዝሳተፉሉ ኣፊሪካ ዝመርሖ ንኹሉ ዝሓቁፍን መካተቲን ዘተ ከምዘድሊ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ሚኒስትሩ በአፍሪካ ሕብረት ማዕቀፍ በሰላም እና ደህንነት ምክር ቤት በሱዳን ያለውን ግጭት ለመፍታት የተዋቀረውን የአፍሪካ ህብረት የሱዳን ከፍተኛ ውይይት ቡድን አባላትን በጽ/ቤታቸው ተቀብለው አነጋግረዋል።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ዝተጣየሸ ላዕለዋይ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ሱዳን ኣባላት ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ፓናል ሱዳን÷ ኢትዮጵያ ሕጉስቲ ከምዝኾነትን ትኽእሎ ሓገዝ ከምትገብርን ቃል ኣቲዮም።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሱዳናያውን ብበዓል ዋናነት ዝሳተፉሉን ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕን ንኹሉ ዝሓቁፍ መካተቲ ዘተ ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ማቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ ዝውገኑ ኣማራፂታት ሰላም ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment