ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ብምህዳም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ብምህዳም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዞባ ምዕራብ ጎንደር ከተማ መተማ ዮሃንስ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ የኣትዉ ኣለዉ።

እቲ ጎንፂ ብምህዳም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተዓቖቡ ሰባት ኣብ ከተማ መተማ ዮሃንስ ክንክን እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን ዞባ ምዕራብ ጎንደር ከምዘመላኽቶ÷ ሱዳናውን ሓዊሱ ዜጋታት 23 ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም፡፡

ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ዓቕመ ደካማታትብ ከምዝርከቡዎ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ዝርከቡ ሰባት ድሌቶም መሰረት ብምግባር ካብ ከተማ ዮሃንስ ናብ ጎንደርን ካልኦት ከባቢታትን እናተጓዓዙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment