ኣብ ሱዳን ኣብ ቀጣና ኲናት ዘለዉ ዜጋታት ናይ ምውፃእ ስራሕ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ እዋናዊ ኩነታት ስዒቡ ኣብ ቀጣና ኲናት ዘለዉ ኢትዮጵያዊያን  ናይ ምውፃእ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ።

ነዚ ናይ ምውፃእ ስራሕ ዘተሓባብር ዘሎ ብብሄራዊ ብርኪ ዝተጣየሸ ገብረ ሓይሊ 23 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ተመለስቲ ዘሳፈራ ኣውቶብሳት ካብ ካርቱም ናብ ኢትዮጵያ ነክኣትዉ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

እቶም ተመለስቲ ናብ ስድረኦም ክሳብ ዝምለሱ ኣድላዪ ደገፍ ይግበር ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ቅድመ ሐዚ ለዕሊ 34 ሺሕን 700 ኢትዮጵያዊያን ካብ ቀጣና ኲናት ወፂኦም ናብ ሃገሮም ምእታዎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment