ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 7 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት 7 ሺሕን 435 ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር ብምኽኒያት ኮቪድ-19  ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 468 ከምዝበፅሐ እውን ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ እቶም 2 ሺሕን 720 ሰባት ድማ ሐሺዎም ኣሎ ተባሂሉ።

እቶም ዝበዝሑ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ከተማ ካርቱም ምዃኖም’ውን እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ።

እታ ሃገር ትማሊ ጥራሕ 215 ብቫይረስኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ኣመዝጊባ ኢያ።

ብብርኪ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ምግላፁ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment