ኣብ ሱዳን ሓንቲ ጦር ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ ልዕሊ 18 ሰባት ህይወት ምሕላፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ሱዳን ሓንቲ ጦር ኣውሮፕላን ብምሕምሻሻ ልዕሊ 18 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ተገሊፁ።

ካብ ውሽጢ እቶም ዝሞቱ ሰባት፥ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት እታ ኣውሮፕላን እንትኾኑ፥ ሰለስተ ዳያኑን ህፃነናት ዝርከቡዎም ሸሞንተ ሲቪላትን ምዃኖም ኣቐባሊ ቓል ጦር ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን መልዐሊ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ሮይተርስ

Comments (0)
Add Comment