ኣብ ሰደድ ወፃኢ ቡና ዕዉት ግደ ንዝነበሮም ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ ዓመት ኣብ ሰደድ ወፃኢ ቡና ዕዉት ግደ ንዝነበሮም ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

“ቡናና ንሓድነትናን ምዕባለናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዕለተ ቡና ኢትዮጵያ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳነት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ፕሬዚዳነት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መዓዛ አሸናፊ፣ ሚኒስትር ግብርና ዑመር ሁሴን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያት ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞን ተረኺቦም።

ኣይተ ኡመር፥ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ፖሊሲ ግብርና ብምቕራፅ ውሕስነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ፣ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ብምትራፍ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍርያት ብምትካእ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ቡና ሸርፊ ወፃኢ ብምርካብ ውፅኢታዊ ከመዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ግብርና ከም ተመክሮ ብምውሳድ እቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ብቅድስት ተስፋዬ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment