ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝበረ ወጥሪ ሃዲኡ ሰላም ንኸዓስል ዝኸድናዮ መገዲ ውፅኢታዊ ኢዩ – ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ናይጀሪያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህወሓት ዝነበረ ወጥሪ ንምህዳእ ዝተኸደ መገዲ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ብወገን ህወሓት  ከይዲ ሰላም ንኽዕወት ዝነበረ እወንታዊ ኣቀባብላ ሰላም ንምዕሳል ዝተሀበረ ፃዕሪ ኣዚዩ ሓጋዚ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም፡፡

ከይዲ ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ዘርአዮ ቆራፅነት ዝነኣዱ ኦባሳንጆ፥ እቲ ስምምዕነት ውፅኢታዊን ዘላቒን ንኽኸውን ዓብዪ መርኣዪ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

“ብዝጠፍአ ህይወት ንሕዘን እምበር ብዝተረኸበ ሰላም ድማ ተሓጒስና ኢና” ኢሎም፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተሳለጡ ተግባራት ከምዘለዉ ኮይኖም ዝተረፉ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ንኽፍፀሙ እውን ሓቲቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment