ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ብሰላም ንምዝዛም ዝተዘርገሐ ኢድ ዘፀግም ኩነታት እንተዘይኣጋጢሙ ከምዘይዕፀፍ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ፥ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም፥ መንግስቲ ብሰንኪ ስሰዐን ዕንቅፅናን ህወሓት ብግዲ ናብ ኲናት ዝኣተወሎም እዋናት ኣዘኻኺሮም።
መንግስቲ ዋላ እኳ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ብምውሳን ካብ ክልል ትግራይ ኣፅዋሩ እንተውፅአ፥ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ከባብታት ምስ ወረረ ግን ናብቲ ኲናት ኣትዩ እቲ ሓይሊ ብወራር ካብ ዝሓዞም ከባብታት ከምዘባረሮ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ንህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ዕድል ብምሃብ ካብ ፀገም ንክናገፍን ኣብቲ ካባቢ ምርግጋእ ተፈጢሩ ባዕሉ ምምጋብ ናብ ዘኽእሎ ስራሕቲ ሕርሻ ንክምለስን ዓሊሙ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ተኹሲ ከምዘበለ ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ካብ ኲናት ዝኽሰብ ዋላ ሓደ ሰለዘየለ መንግስቲ ንትግራይ ካልኣይ ዕድል እዋን ፅሞና ምሃቡ ኣብሪሆም።
ይኹን እንበር መንግስቲ ድሕሪ ተኺሲ ደው ምባሉ፥ ጉጅለ ህወሓት ተደጋጋሚ ፅሕተራ እንትገብር ብተዓጋሳይነት ምሕላፉ እቶም ሚኒስቴር ኣፍሊጦም።
መንግስቲ ነዚ ዝገበረ ድማ ንህዝቡ ካብ ዘለዎ ድሌት ሰላም እዩ ኢሎም።
ሐዚ ውን ብወገን መንግስቲ ዝተፈጠረ ነገር ከምዘየለ ብምምግላፅ፥ “መንግስቲ ኲናት ደው ምባል ጥሒሱ” ዝብል ክሲ ህወሓት ተረኽ ሓሶት ምዃኑ ኣረዲኦም።
እቲ ተረኽ ሓሶት ብናይ ባዕሉ ኣፈኛ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣቢሉ ምቕፃሉ እዩ ኣብቲ መግለፂ ዝተሓበረ።
እዚ ናይ ሕሶት ክሲ ዘምፅኦ ንዘተለሞ እኩይ ተግባሩ ዕላማ ምዃኑ ብምዝራብ፥ እቲ ናይ ሕሶት ክሲ ኣማራፂ ሰላም ዘይምድላዩ መርኣይ ምዃኑ ዶክተር ለገሰ ገሊፆም።
እቲ ጉጅል ሳልሳይ ዙር ኲናት ዘለዓዕል ዘሎ ብጎንፂን ህውከትን ምንባር ስለዝለመደን ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ምምላስ ስለዘይኽእልን እዩ እውን ኢሎም።
ይኹን እንበር መንግስቲ ሐዚ ውን ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ፅኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ሰብዓዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ናብታ ክልል እናኣተወ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር፥ ናይ ሰላም ሓሳብ ምፅዳቑ እውን ሓቢሮም።
ብመሰረት ናይ ሰላም ሓሳብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምቕፃል ኣተኣማማኒ ድሕንነት ከምዘድሊን ነዚ ንምርግጋፅ ዘተ ፖለቲካ ምጅማር ከምዘድሊን ኣመላኺቶም።
እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ካብ ኲናት ደላይንት ናብ ሰላም ኣማራፂ ንክመፅእን እቲ ዝቐረበ ዕድል ሰላም ንከይስእን ህዝቢ ትግራይ ድፍኢት ንክገብር ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ብተዛማዲ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያን ብዝተዋደደ መልክዑ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝመሸገሎም ከባብታት እግሪ እግሪ ተኸታቲሎም መጥቃዕቲ እናብፅሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ወፍሪ ብዙሓት ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ምድምሳሶምን ምምራኾምን ከምኡ ድማ ማእኸላት ስልጠናታት ምዕናዎም ዕላዊ ገይሮም።
ዝተበታተኑ ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ውሽጢ ሽንጥሮ ብምሕባእ ንፁሃን ዜጋታት እናዓገቱ፣ ገንዘብን ንብረትን እናሓተቱ ይዘርፉ ምህላዎም ብምግላፅ፥ ነዚ ተግባር ራዕዳዊያን ምቹኣት ዝኾኑ ኩነታት ክሳብ ዝጠፍእ እቲ ወፍሪ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጦም።
ኣልሸባብ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብሓይሊ ምድሪን ኣየርን ፌዴሪኢ ከምኡ ውን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ዝተዋደደ ወፍሪ ስዕረት ናውቲን ሞራልን ምብፅሑ ተዛሪቦም።
እቶም ግብረ ራዕዳውያን እንትስዓሩ ኣብ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ዘብፅሑ ምዃኖም ብምግላፅ፥ ህዝቢ ነዚ ተረዲኡ ጥንቃቐ ንክገብር እቶም ሚኒስትር ኣተሓሰሲቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።