ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ከምዝተሰየመ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ፍትሒን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምጥማት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ብኲናት ዝበፅሐ ጉድኣት ንምቕናስ፣ ሙሉእ ትኹረት ኣብ ልምዓት ንክኸውን ንምግባር፣ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምምሕያሽ፣ ንዕውትነት ሃገራዊ ዘተን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምትካል እግሪን ንክህሉ ብምሕሳብ እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣማራፅታት ሰላም ንክረኣዩ ውሳነ ተዋሂቡ።
እቶም ኣማራፅታት ሰላም ወይ ዝርርብ እንትግበር፥ ሕገ መንግስታዊነት ዘኽበረ፣ መሰረታዊ ረብሓ ሃገር ብዘሕሉ መገዲ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ጉጅለ ተደራዳሪ ሰላም ከምዝተሰየመ ፍልፍላትና ሓቢሮም።
ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ተባሂሉ

 

1. ኣይተ ደመቀ መኮንን……..ኣካቢ

2. ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ….ኣባል

3. ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ………….ኣባል

4. ኣምባሳደር ሀሰን አብዱልቃድር..ኣባል

5. ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን…..ኣባል

6. ሌ/ጀኔራል ብርሀኑ በቀለ…..ኣባል

7. ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር………ኣባል

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment