ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስማጥ ጃልባ 38 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጠረፍ ባሕሪ ጅቡቲ ፍልሰተኛታት ኣሳፊራ ናብ የመን እናተጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስማጥ 38 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ትማሊ ዕለት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ጅቡቲ ጥቓ ጠረፍ ባሕሪ ጎዶሪያ እንትኸውን÷ 60 ኢትዮጵያውያን ፍልሰተኛታት ኣሳፊራ ናብ የመን ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብምግልባጣ 38 ፍልሰተኛታት ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ስኢኖም፡፡

ሚሲዮን ፌዴሪኢ ኣብ ጅቡቲ እቲ ሓደጋ ምሰጋጠመ ናብቲ ቦታ ብምጉዓዝ መበገሲ እቲ ሓደጋ እናፃየ ከምዝርከብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሓደጋ ምስማጥ ጃልባ ጥራሕ ህይወት 189 ኢትዮጵያውያን ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

በቢግዚኡ ዘጋጥም ሓደጋ ምምሕያሽ ኣየሃልዎ እምበር ቁፅሪ ፍልሰተኛታት ግን ሕዚ እውን እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ካብ ጅቡቲ ናብ መስመር የመን ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ልዑል ቁፅሪ ሞት እናመዝገበ ዝርከብ ሓደገኛ ጉዕዞ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሚሲዮን÷ ዜጋታት ብዘይሕጋዊ ደለልቲ ካብ ምትላል ንኽቑጠቡን ኣካላት ፍትሒ እውን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ዛዘዋወርቲ ግቡእ ስጉምቲ ንኽወስዱ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment