ኣብ ሰላም ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰላምን ሓድነትን ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ።

ኩሉ ሰብ ዘለዎ ኣፈላላይ ብምሓዝ ተኸባቢሩ ምንባር መግለፂ ቅኑዕ ሰብነት ከምዝኾነ ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሀን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን፥ ዘጋጠሙ ሃገራዊ ፀገማት እንፈትሐሉ ከይዲ ንቐፀጻሊ ህንፀት ሰላም ልምዲ እንወስደሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ ኢዩ ኩሉ ሰብ ከማይ የሕሳብ ብምባል ምግዳድ ኣይከኣልን ብምባል፥ ኣፈላላይ ብምኽባር መንባር ግን መግለፂ ቅኑዕ ሰብ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ጉባኤ ናይ ኩለን ትካላት ሃይማኖት ኣቦታትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ብሜሮን ሙሉጌታን ኦብሴ ዋቅጋሪን

Comments (0)
Add Comment