ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዳግም ከምዝተርኣየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዳግም ከምዝተረአየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር እቲ ዕስለ ዛጊድ ከቢድ ጉድኣት ከምዘየብፀሐ ተሓቢሩ።

ዳይሬክቶር ዳይሬክቶሬት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓት እቲ ቢሮ ኣይተ መብራህቶም ገብረ ኪዳን ከምዝበልዎ፥ እቲ ዕስለ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ፣ ኣብ ሓደ ወረዳ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከምኡ እውን ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ዞባ ማእኸል እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ዕስለ ቅድሚ ሐዚ ብዝኣተወሉ ኣንፈት ዘይኮነስ ብክልል ኣምሓራ እምባታት ሰሜን ኣቋሪፁ ናብ ወረዳታት ፀለምቲን ጣንቋ ኣበርገለ ኣቢሉ ናብ ዞባ ማእኸል ይኣቱ ምህላዉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እተን ወረዳታት ዘይምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ መብራህቶም፥ ብባህላዊ መንገድን ኬሚካል ብምንፃግን ኣቢልካ እቲ ዕስለ ንምብራር እናተሰረሐ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጠመ ዕስለ ኣምበጣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ይኣቱ ምህላዉን ብትግራይ ኣቢሉ ድማ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኸይድን እዩ ትምበያ ሜትሮሎጂ ዘመላኽት።

ብመሰረት እቲ ትምበያ ድማ ሰፊሕ ዕስለ ናብ ትግራይ ዝመፀሉ ዕድል ብምህላዉ ንዕኡ ንምቁፅፃርን ዘድሊ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ወረዳታት ብቕልጡፍ ሓበሬታታት እናተለዋወጣ ነቲ ዕስለ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከሳልጣ ይግባእ።

ህዝቢ እውን እዋን ዝራእቲ ኣይኮነን ኢሉ ከይተዘናግዐ እቲ ዕስለ ኣብ ልምዓት መስኖን እፅዋትን ዘስዕቦ ጉድኣት ንምክልኻል ቅድሚ ሐዚ ብዘርአዮ ተወፋይነት ክረባረብ ኣይተ መብራህቶም ፀዊዖም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ብዛይድ ተስፋይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment