ኣብ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ብር 720 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ገንዘብን ኣብ ጥሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርብዒ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ብር 720 ሚሊየን 865 ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ብር 568 ሚሊየን 754 ሺሕን 537 ዝግመት ስርዓት ጉምሩክ እንተይተፈፀመሎም ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ፈተነ እንትግበር ዝተትሓዙ ኣቑሑትን ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወሩ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ግምታዊ ዋገኦም ብር 152 ሚሊየን 111 ሺሕን 176 ዝኾኑ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ካብ ሃገር ክወፅእ ተሓሲቡ ዝነበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ተሽከርከርቲ፣ ሓደሽቲ ክዳውንቲ፣ ፍርያት ምግቢን መስተን ድማ ካብ ሞንጎ ዋና ዋና ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ይርከቡዎም።

ኣብ ምድብ ወፃኢ ኮንትሮባንድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝወዓሉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ መዐወኒ ሓሽሽ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እንትኸውን፥ መዓድንን ዝውውር ዘይሕጋዊ ገንዘብን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ይርከቡ።

ኣብ ርብዒ ዓመት ኣብ ተግባር ኮንትሮባንድ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 270 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment