ኣብ ሩባ ኮንጎ ክልተ ጃልባታት ተጋጪየን ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ጥቓ ኪንሻሳ ሩባ ኮንጎ ክልተ ጃልባታት ተጋጪየን ብዙሓት ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ብዙሓት ከምዝጠፍኡ ተገሊፁ፡፡

ሰባትን ሸቐጣትን ፅዒነን እናተጓዓዛ ዝነበራ ክልተ ጃልባታት ብዘጋጠመን ሓደጋ ምግጫው ክንደይ ዝኣክል ብህይወት ከምዝተረፉ ኣይተፈለጠን።

ምኽንያት እቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ብግልፂ ከምዘይተፈለጠ እውን ተሓቢሩ።

ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዕላዊ ኣብ ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ኣናእሽተይ ጀላቡ ተጎዳእቲ ንምድሓን ናብቲ ቦታ እናምርሑ ተራኢዮም።

ምቹው ዘይኮነ መሰረተ ልምዓት መገዲ ኣብ ዘለዋ ሃገር ሩባታት ንመጓዓዢ ተመረፅቲን ቁልፊን ከምዝኾኑ ይንገር፡፡

Comments (0)
Add Comment