ኣብ ሩሲያን ቤላሩስን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ ኣብ ሩሲያን ቤላሩስን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ተሳትፎ ዳያስፖራን ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ብዛዕባ ዘሎ ፃዕሪ መሊስካ ህንፀትን ሰብኣዊ ሓገዝን፣ ምስ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ዶብን ግድብ ህዳሰን ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ብምቅላዕ ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምፍላጥ ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ እውን ገለፃን ልዝብን ምግባሮም ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተሳተፉ ኣባላት ዳያስፖራ፥ ዘለዉዎም ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣልዒሎም።

ቦንድ ግድብ ህዳሰ፣ ናይ ሕሶት መረዳእታታት ኣብ ምቅላዕን ሓቀኛ ወድዓዊ ኩነታት ኢትጵያ ብመራኸብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም ኣብ ምፍላጥን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ሓገዝ ዘድሊዮም ዜጋታት ሓገዝ ኣብ ምግባር ከምዝሳተፉ ምግላፆም እውን ኣብ ሞስኮ ካብ ዝርከብ ኡምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment