ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምደባን ሓለዋን  ምስጢራዊ ሓበሬታ መንግስቲ ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

አዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምደባን ሓለዋን ምስጢራዊ ሓበሬታ መንግስቲን ድልዉነት ቴክኖሎጂን ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ሓበሬታታት መንግስቲ ንምምዳብን በቢእዋኑ ንምፍታሽን ንኽከኣልን ምስጢራዊ ሓበሬታታት ንኽሕለዉ ከምኡ እውን ከይጋውሑ ንምግባር ማዕቐፍ ሕጊ ንምስንዳእ ዘኽእል ኢዩ።

ውዳበ ፀፅታ ይኹን ኣብ ምስጢራውነት ሓበሬታ መንግስቲ ተሓታትነት ንምዕሳል ምስጢራዊ ምደባ ሓበሬታን ሓለዋን ምግባር ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ።

ከምዚ ዝበለ ስርዓት ምትግባሩ ሃገራዊ ምስጢር ብፍላይ ወታደራዊ ዕድጊትን ካልኦት ምስጢራዊ ሓበሬታታት ንምሕላው እውን ዝኽግዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስርዓት ፍትሒ ዘይተሰናደአሎም ኣጠቓቕማ ሓበሬታታት ንምስትኽኻል እውን ሓለዋን ምደባን ሓበሬታ ንምግባር ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በይስማው አደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment