ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ኣብ ዝተሰናድኡ ረቀቕቲ ማዕቐፋት ሕጊ ጠመተ ብምግባር ዘዳለዎ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣበባ እምቢያለ፣ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣህጉራዊ መፅናዕቲ ድሕንነት ቀጣና ምብራቕ ኣፍሪካ ፖል-ሲሞን ሃንዲ ከምኡውን ዓለም ለኸ ሞያተኛታት እቲ ዓውዲ ኣብቲ ኮንፈረንስ ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ፥ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ዝተሰናድኡ ማዕቐፋት ረቂቕ ሕጊ ብምቕራብ ዘተ ክግበረሎም ኢዩ ተባሂሉ።
ወ/ሮ ሃና፥ እቲ መድረኽ ንትግበራ ፖሊሲ ሓገዝቲ ሓሳባት ዝርከብሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነን ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኣሳታፊ ኢዩ ምባለንን ግዜኢ ፀብፂቡ።